Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ናይጄሪያ ናይ ነዳዲ ታንከር ፈንጂሩ ብውሑዱ ህይወት 15 ሰባት ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ናይጄሪያ ግዝኣት ኢኑጉ ቤንዚን ዝፀዓነት ታንከር ብዘጋጠማ ሓደጋ ምፍንጃር ሰለስተ ህፃናት ሓዊሱ ብውሑዱ ህይወት 15 ሰባት ሓሊፉ።

እቲ ሓደጋ ምፍንጃር ነዳዲ ዝፀዓነት መኪና ካብ ቁፅፅር ወፃእ ብዝኾነ ኩነታ ምስ ካልኦት 6 ተሽከርከርቲ ብምግጫዋ ኢዩ ተገሊፁ።

ኣብ ዝሓፈ ሰሙን ኣብ ግዝኣት ኒጀር 98 ሰባት ዝሞቱሉ ተመሳሳሊ ሓደጋ ከምዘጋጠመ ይዝከር።

ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2009 ጀሚሩ ኣብ ናይጄሪያ ብዘጋጠመ ሓደጋ ምፍንጃር 172 ታንከራት ነዳዲ 1 ሺሕን 900 ዝኾኑ ሰባት ህይወቶም ከምዝሓለፈ ኣናዶሉ ፀብፂቡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.