ኣብ ኢትዮጵያ ማዕርነትን ምክእኣልን ሃይማኖት ምዕሳሉ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሶማሌ ሙስጠፌ መሓመድ ገሊፆም
ኣዲስ ኣበባ፣ 22 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ማሕበረሰብ ሙስሊም ንብዙሕ ዓመታት ከልዕልዎ ዝፀንሑ ጉዳይ ናፅነት ሃይማኖት ኣብ ዝሓለፉ ናይ ለውጢ ዓመታት ብመሪሕነት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምላሽ ምርካቦም ገሊፆም፡፡
በዙይ ድማ ኣብ ሃገርና ናፅነትን ምክእኣልን ሃይማኖት ምዕሳል ክኢሉ ኢሎም።
ነዙይ ከም መርኣያ፥ ፅባሕ ለውጢ ካብ ብሄራዊ ቤተ- መንግስቲ ኣትሒዙ ኣብ ዝተፈላለዩ መንግስታዊን ዘይመንግስታውን ትካላት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸብሉ ስነ-ስርዓት ኢፍጣር እንትካየድ ተዓዚብና ኢሎም፡፡
ድሕሪ ለውጢ ተራዊህ ሶላትን ውድድር ቁርዓንን ብቐጥታ ፈነወ ኣብ ሃገራዊ ቴሌቭዥን ጣቢያ ክመሓላለፍ ከምዝረኣዩ እውን ገሊፆም።
እቶም ርእሰ ምምሕዳር ኣብ ዒድ ሶላት ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ንቀዳማይ ሚነስትር ኣብይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብዚ ንዝገብርዎ ኣበርክቶ ምስጋናን ክብርን ይግብኦም ኢሎም፡፡
ለውጢ ስዒቡ ህዝበ ሙስሊም ኣብ ታሪኽ ሃገርና ዝረኸቦ ናፅነትን ሓድነትን ሃይማኖት ÷ ቕድሚ ለውጢ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታ ይእሰሩ ከምዝነበሩ መራሕቲ ሃይማኖትን ተወከልቲ ኣብቲ ቦታ ከምዝተሳተፉ ገሊፆም፡፡
ማሕበረሰብ ሙስሊም ብፆምን ፀሎትን ዘርእዮ ዝፀንሐ ሰናይ ተግባራት ብምቕፃል፣ ሰላምን ምዕባለን ሃገርና ብሓባር ከነጠናኽር ይግባእ ኢሎም።