Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ ብኤሌክትሪክ ዝሰርሓ ተሽከርከርቲ ኣብ ምፍራይ ምውፋር ዘዋፅእ ከምዝኾነ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ብኤሌክትሪክ ዝሰርሓ ተሽከርከርቲ ኣብ ምፍራይ ምውፋር ዘዋፅእ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ሚኒስትር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ኣለሙ ስሜ (ዶ/ር) ምስ ወከልቲ ኩባኒያ ሻንሃይ ላውንች ዲዛይን ኣውቶሞቲቭ ቻይና ዘቲዮም።

ኩባኒያ ሻንሀይ ላውንች ዲዛይን ኣውቶሞቲብ፥ ዝተፈላለያ ዓይነት ተሽከርከርቲ ብምፍራይ ናብ ዕዳጋ ዘቕርብ ከምዝኾነ እቶም ወኪላት ኣብሪሆም።

ብኤሌክትሪክ ዝሰርሓ ናይ ኣየር ታክሲን ሰብ ኣልቦ ተሽከርከርቲን ሓዊሱ፣ ኣውቶሞቢላት፣ ኣውቶብሳትን ናይ ፅዕነት ተሽከርከርቲን ከምዘፍሪ ተዛሪቦም።

ኣካያዲ ስራሕ እቲ ኩባኒያ ው ሻውሃን፥ ኩባኒየኦም ኣብ ኢትዮጵያ ብኤሌክትሪክ ዝሰርሓ ተሽከርከርቲ ኣብ ምፍራይ ምውፋር ከምዝደሊ ምግላፆም ኣብቲ ሚኒስተዬር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.