ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ኣድልዎ ናፃ ዝኾነ ኣገልግሎት ዝወሃሉ ስርዓት ተዘርጊሑ ኢዩ – ኣይተ መሓመድ እድሪስ
ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ኣድልዎ ናፃ ዝኾነ ኣገልግሎት ዝወሃሉ ስርዓት ተዘርጊሑ ኢዩ ክብሉ ሚኒስትር ሰላም ኣይተ መሓመድ እድሪስ ገሊፆም፡፡
እም ሚኒስትር ብሴክሬታሪ ፋውንዴሽን መሓመድ 6ይ ሞሮኮ መሓመድ ረፊቅ (ዶ/ር) ምስ ዝተመርሐ ልኡኽ ፅቡቕ ርክብን ምትሕብባርን ክልቲአን ሃገራት ምጥንኻር ኣብ ዝከኣለሎም ጉዳያት ዝጠመተ ዘተ ኣካይዶም፡፡
እቲ ልኡኽ ኢትዮጵያ ጥንታዊ ስልጣነ ዘለዋ ጥንታዊት ሃገር ብምዃና ብዙሕ ልምዲታት ክተካፍል ከምትኽእል ብምሕሳብ ንልውውጥ ልምዲ ከምዝመፅአ ተሓቢሩ።
ኢትዮጵያ ኩሎም ሃይማኖታትን እምነታትን ብማዕርነትን ፍትሓዊነትን እተተኣናግደሉ ሕገ መንግስቲ ከምዘሎ ኣይተ መሓመድ ኣዘኻኺሮም።
ካብ ኣድልዎ ናፃ ዝኾነ ኣገልግሎት መንግስቲ ዝወሃበሉ ስርዓት ከምዝተዘርገሐ ብምሕባር፤ እዚ ድማ ሃይማኖታትን እምነታትን ኣብ ሞንጎኦም ሰላማዊ ዝኾነ ርክብ ከምዘጠናኸረ ተዛሪቦም።
ኣብ 48 ሃገራት ኣፍሪካ ጨንፈር ዝኸፈተ ፋውንዴሽን መሓመድ 6ይ ሞሮኮ ኣብ ኢትዮጵያ እውን ጨንፈር ንምኽፋት በቲ ልኡኽ ኣቢሉ ንዘቕረቦ ሕቶ፤ ኣብ ቀፃሊ ምላሽ ከምዝወሃበሉ ምግላፆም ሓበሬታ እቲ ሚኒስቴር የመላኸት፡፡