Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ ዝተሓተመ ሓዱሽን ዘበናዊ ፓስፖርት ዕላዊ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)እዋኑ ዝበፅሖ ቴክኖሎጂ ብምጥቃም ኣብ ትዮጵያ ዝተሓተመ ሓዱሽ ፓስፖርት ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሴ ኣብ ዝተረኸቡሉ ዕላዊ ኮይኑ፡፡

እቶም ፕሬዚዳንት ኣብቲ እዋን ኣብ ዝገበሩዎ መደረ÷ “ኤሌክትሮኒክ ፓስፖርት ተግባራዊ ምግባርና ምስሊ ሃገር ካብ ምህናፅ ሓሊፉ ንዜጋታት ዝተውሃበ ዋጋ ዘርኢ ኢዩ” ኢሎም፡፡

እቲ ፓስፖርር ሓበሬታን ኣሰር ኢድን ናይቲ ውልቀሰብ ዝሓዘ ናይ ኤሌክትሮኒክስ ቺፕስ ኣለዎ ተባሂሉ፡፡

ኣብ ኢትዮጵያ ዝተሰርሐ እቲ ፓስፖርት፤ ናይ ቪዛ ገፃቱ መልክዕ ኢትዮጵያ ዝሓዙ ከምዝኾኑ ተሓቢሩ።

እዚ ድማ ቅድሚ ሕዚ ኣብ ኢድ ወፃኢ ሃገር ኣፍረይቲ ትካላት ዝነበረ ዲዛይን ሙሉእ ብሙሉእ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ክሽፈን ከምዝገበረ ተገሊፁ፡፡

ቅድሚ ሕዚ ይወፅእ ዝነበረ ሸርፊ ወፃኢ ክተርፍ ብምግባር ኣታዊ ናብ ምፍልፋል ከምዘሰጋግር እውን ተሓቢሩ።

ብኣሸናፊ ሽብሩን ወንድሙ ኣዱኛን

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.