Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣዲስ ኣበባ 165 ሺሕ ዜጋታት መርሃ ግብሪ ስልጠና ኮደርስ ይሳተፉ ኣለው

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ 165 ሺሕ ዜጋታት መርሃ ግብሪ ስልጠና 5 ሚሊየን ኢትዮ ኮደርስ ኢኒሼቲቭ ይሳተፉ ከምዘለው ቢሮ ልምዓት ኤኖቬሽንን ቴክኖሎጂን እታ ከተማ ገሊፁ፡፡

ቢሮ ሓላፊ ምክትል ቱሉ ጥላሁን (ዶ/ር) ንፋና ሚዲያ ኮርፖሬት ከምዝገለፅዎ÷ ምምሕዳር እታ ከተማ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ዓመታት ልዕሊ 300 ሺሕ ዜጋታት መርሃ ግብሪ ስልጠና ኮደርስ 5 ሚሊየን ንምስታፍ ተተሊሙ እናተሰርሐ ይርኸብ፡፡

እቲ ትልሚ ንምዕዋት ብዛዕባ እቲ ስልጠና ግንዛበ መውሃቢ መድረኻት ብምፍጣር ናብ ስራሕ ምእታው ዝገለፁ እቶም ሓላፊ÷ኣብዚ ሕዚ እዋን ልዕሊ 165 ሺሕ ዜጋታት ኣብቲ ስልጠና ይሳተፉ ከምዘለዉ ሓቢሮም፡፡

ምምሕዳር እታ ከተማ 56 ሺሕ ዜጋታት ስልጠና ወዲኦም ሰርቲፊኬት ከምዝወሰዱን እቲ መርሃ ግብሪ ስልጠና ኮደርስ ንምዕዋት ዝግበር ፃዕሪ ቀዳምነት ተዋሂቡ እናሰርሐ ምዃኑ ተሓቢሩ፡፡

እቲ ስልጠና ንተማሃሮ ኢንፎርሜሽን ቴክኖሎጂ ጥራይ እዩ ዝወሃብ ዝብል ግጉይ ኣረኣእያ ምህላው ዝሓበሩ ቱሉ (ዶ/ር) ÷እቲ ስልጠና ብዘይ ኣፈላላይ ዕድመን ፆታ ኩሉ ክወስዶ ከምዝክእል ኣገንዚቦም፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.