Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታት ንዝርከቡ 22 ሺሕ ህፃናት ደገፍ ተገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታት ንዝርከቡ ህፃናት መሰሎምን ድሕንነቶም ኣብ ምሕላው ጠመተ ንክግበር ሚኒስቴር ደቂ ኣኒስቲዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ፃውዒት ኣቕሪቡ።

ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታት ዝርከቡ ህፃናት ኣብ ውሽጢ ዓዲ ብዘለዉ ዝተፈላለዩ ኣመራፂታት ንምድጋፍ ብሄራዊ መምርሒ ደገፍን ክንክንን ህፃናት ብሓዱሽ መገዲ ተመሓይሹ ኣብ ስራሕ ከምዝወዓለ ተሓቢሩ።

እቲ ሚኒስቴር ነቲ መምርሒ ንምፍፃምን ንፀገም ተቓላዕቲ ዝኾኑ ህፃናት ህይወቶም ንምድሓንን ሰፋሕቲ ጎስጓሳት ማሕበረሰብን ስራሕቲ ምፍጣር ግንዛበን ከምዝተኻየዱ ሓቢሩ።

ብተወሳኺ ካብ ዝተፈላለዩ መንግስታዊን ዘይመንግስታዊን ትካላት ሃፍቲ ናይ ምትእኽኻብን ናይ ምድጋፍን ስራሕቲ ክስራሕ ከምዝፀንሐ ተገሊፁ።

ኣብ ዝሓለፉ 6 ኣዋርሕ፥ ብማሕበረሰብ ሓቆፍ ደገፍን ክንክንን ህፃናት 8 ሺሕን 356፣ ብትካላት ናይ 100 ስፖንሰርሺፕ ደገፍ 11 ሺሕን 160፣ ብፎተር ኬር 1 ሺሕን 938 ወዘተ ብድምሩ 22 ሺሕን 886 ህፃናት ደገፍ ንክረኽቡ ከምዝተገበረ ተገሊፁ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.