Fana: At a Speed of Life!

ኣብ እዋን በዓላት ዝበፅሕ ገበን ምጭብርባር ብኸመይ ምክልኻል ይከኣል?

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ እዋን በዓላት ኣብ ዓውዲ ዲጂታል ልዑል ዝበሃል ምንቅስቓስ ምጭብርባር ዝረአየሉ ኢዩ።

ብፍላይ ንዘመድ ኣዝማድ ህያባት ንምግዛእ ብዝተፈላለዩ መገዲታት ልዑል ዕድጊት ዝፍፀመሉ እዋን ምዃኑ ስዒቡ ኣጭበርበርቲ እውን እዚ ዕድል ንምጥቃም ዝተፀንዐ ምንቅስቓስ ዝገብሩሉ እዋን ኢዩ።

ኣብዚ እዋን ኣጭበርበርቲ ዝተፈላለዩ መገዲታት ዝጥቀሙ እንትኾኑ÷ ካብ ሞንጎ እዞም መገዲታት፡-

  1. ብኢ-ሜይል (ሓፂር ናይ ፅሑፍ መልእኽቲታት) ብምልኣኽ ዝፍፀም ምጭብርባር፣
  2. ስራሕቲ ሰናይ ምግባር ብምምሳል ዝፍፀሙ ምጭብርባራት፣
  3. ትሑት ናይ ጉዕዞን መዕረፊን ዋጋ ዘቕረቡ ብምምሳል ዝፍፀሙ ምጭብርባራት፣
  4. ምስ ክፍሊት ዝተትሓሓዙ ምጭብርባራት ይርከቡዎም፡፡

ኣብዚ እዋን አጭበርበርቲ ዝኸፈልናዮም ክፍሊታት ከምዘይከፈልና፤ እንተይከፈሉ ድማ ከፊልና ኢና ብምባል ብዲጂታል ናይ ክፍሊት ኣማራፂ ከጭበርብሩና ስለዝኽእሉ ክፍሊት እንትንፍፅምን እንትንቅበልን ብጥንቃቐ ክንገብር ይግባእ።

ፍልፍል፡- #ምምሕዳር-መርበብ-ሓበሬታን-ድሕንነትን

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.