ኣብ እዋን ፆም ረመዳን ዝነበረ ምትሕግጋዝን ምትሕስሳብን ተጠናኺሩ ክቕፅል ይግባእ – ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ
ኣዲስ ኣበባ፣ 21 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ እዋን ፆም ረመዳን ዝነበረ ምትሕግጋዝን ምትሕስሳብን ተጠናኺሩ ክቕፅል ከምዝግባእ ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ኣፍሊጡ።
እቲ ኣገልግሎት መበል 1 ሺሕን 446 በዓል ዒድ ኣል ፈጥር ኣመልኪቱ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፉ፡፡
ኣብ መልእኽቱ ድማ ብተኸተልቲ እምነት ሃይማኖት እስልምና ብሃንቀውታ ትፅቢት ዝግበረሉ ወርሒ ረመዳን ኣብዚ ዓመት እውን ብዝወቀበን ዝደመቐን መልክዑ ሕውነት ብምጥንኻር ከምዝተዛዘመ ገሊፁ፡፡
ብመሰረት እዚ በዓል ዒድ ኣል ፈጥር ብተኸተልቲ እምነት እስልምና ብልዑል ድምቀት እናተኸበረ ከምዝርከብ ኣመልኪቱ፡፡
ኣብ እዋን ፆም ዝነበረው እዝነት፣ ምትሕስሳብን ምክፋል መኣዲን ባህሊ ማሕበረሰብ ሙስሊም ኮይኑ ክቕፅል ከምዝግባእ እውን ኣፅንኦት ሂቡ፡፡