Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ጉባኤ መራሕቲ እቲ ሕብረት ተጀሚሩ ክሳብ ዝዛዘም ምንቅስቓስ ሞተር ሳይክል ተኸልኪሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ለካቲት፣ 2017(ኤፍ ኤም)ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝካየድ ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ተጀሚሩ ክሳብ ዝዛዘም ምንቅስቓስ ሞተር ሳይክል ከምዝተኸልከለ ቢሮ ትራንስፖርት ከተማ ኣዲስ ኣበባ ገሊፁ።

በዚ ድማ ካብ ሎሚ መዓልቲ 04 ለካቲት 2017 ዓ.ም ካብዛ ሰዓት ጀሚሩ ክሳብ 09 ለካቲት 2017 ዓ.ም ኣብ ዝኾነ ይኹን ከባቢ እታ ከተማ ሞተር ሳይክል ምሽክርካር ከምዘይከኣል እቲ ቢሮ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፁ ኣፍሊጡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.