ኣብ ከተማ ዓብይ ዓዲ ብልዕሊ 7 ሚሊየን ብር ዝተሃነፀ ማይ ነቑጣ ግልጋሎት ምሃብ ጀሚሩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ከተማ ዓብይ ዓዲ ብምትሕብባር ግብረ ሰናይ ካውንስል ስደተኛታት ኖርወይ ቤት ፅሕፈት ማይ ግልጋሎት ከተማ ዓብይ ዓዱ ብልዕሊ 7 ሚልዮን ብር በጀት ዝተሃነፀ ማይ ነቑጣ ግልጋሎት ምሃብ ጀሚሩ፡፡
እቲ ማይ ነቑጣ ብቐንዲ ካብ መረበቶም ንዝተመዛበሉ ወገናት ዝተሃነፀ ኮይኑ ንነበርቲ እቲ ከባቢ እውን ኣብ ቀረብ ፅሩይ ዝስተ ማይ ልዑል እጃም ከምዝህልዎ ተሓቢሩ ኣሎ ።
እቲ ነቑጣ ማይ ኣብ ምቅላል ፀገም ወሳኒ ግደ ከምዘለዎን እቲ ዝተረኸበ ፅሩይ መስተ ማይ ብኣግባቡ ክመሓደርን ጉድኣት ከይበፅሖ ሓለዋ ምግባር ከምዘድልይ ኣብቲ ስነ ስርዓት ርክክብ ዝተረኸቡ ከንቲባ ከተማ ዓብይ ዓዲ ኣይተ ኣታኽልቲ ፀጋይ ኣገንዚቦም።
ነበርቲ እቲ ከባቢ ፅሩይ ዝስተ ማይ ክቀርበሎም ብምኽኣሉ ሕጉሳት ከምዝኾኑን ገሊፆም፡፡