Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልላት ዘለዉ ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪታት ናይ ምፍራይ ዓቕሚ ከምዝዓበየ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ዝሓለፉ ትሽዓተ ኣዋርሕ ኣብ ክልላት ዘሎ ዓቕሚ ምፍራይ ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪታት ክብ ከምዝበለ ሚኒስትር ኢንዱስትሪ መላኩ ኣለበል ገሊፆም፡፡

ኣፈፃፅማ ትልሚ ትሽዓተ ኣዋርሕ በጀት ዓመት 2017 እቲ ሚኒስቴር ብዝምልከት ምስ ኣመራርሓን ሰብ ሞያን እቲ ትካል ዘተ ተኻይዱ፡፡

ኣይተ መላኩ ኣለበል ኣብቲ እዋን ዘተ ከምዝበሉዎ፤ ኣብ ክልላት ዘሎ ዘሎ ዓቕሚ ምፍራይ ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪታት ክብ ኢሉ፡፡

እቲ ዓወት ክምዝገብ ዝኸኣለ ድማ፤ ሓደሽቲ ኢንዱስትሪታት ናብ ስራሕ ኣብ ምእታው ልዑልን ውፅኢታዊ ስራሕ ብምስርሑን ኢዩ ኢሎም፡፡

ኣተውቲ ፍርያታት ብሃገር በቆል ፍርያታት ኣብ ምትካእ እውን ልዕሊ 3 ቢሊየን ዶላር ሸርፊ ወፃኢ ብኽነት ምድሓን ከምዝተኽኣለ ምግላፆም ሓሬታ እቲ ሚኒስቴር ኣመልኪቱ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.