ኣብ ክልል ትግራይ ልዕሊ 640 ሺሕ ህዝቢ ኣገልግሎት ፅሩይ መስተ ማይ ክረክብ ዘኽእል ስራሕቲ ይስራሕ ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ክልል ትግራይ ልዕሊ 640 ሺሕ ህዝቢ ኣገልግሎት ፅሩይ መስተ ማይ ክረክብ ዘኽእል ስራሕቲ ይስራሕ ከምዘሎ ቢሮ ማይን ኢነርጂን ግዚያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ገሊፁ።
ዳይሬክተር ቀረብመስተ ማይ እቲ ቢሮ ኣይተ ታጠረ ሓዱሽ፥ ኣብቲ ክልል ዘሎ ሕፅረት መስተ ማይ ንምቕራፍ መንግስቲ ምስ መዳርግቲ ኣካላት ብምዃን ይሰርሕ ከምዘሎ ሓቢሮም።
ኣብቲ ክልል 32 ሚኢታዊ ዝነበረ ሽፋን ፅሩይ መስተ ማይ ኣብ 2017 ዓ.ም ናብ 40 ሚኢታዊ ክብ ንምባል ዘኽእሉ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ይስርሑ ከምዘሎዉ ተዛሪቦም።
ካብ መንጎ እቶም ዝስርሑ ዘለዉ ስራሕቲ፥ 50 ማእኸለዎትን ሓሙሽተ ዓሞቕቲን ኳዕቲ ጎዳጉዲ ማይ፣ ዝርገሐ መስመር ሸሞንተ ማእኸለዎት ጎዳጉዲ ማይ ተረቋሕቲ ምዃኖም ግዜኢ ፀብፂቡ።
ኣብዚ ሐዚ እዋን ዝካየዱ ዘለዉ ስራሕቲ እንትዛዘሙ ኣብ መወዳእታ እዚ ዓመት 649 ሺሕ ህዝቢ ተረባሒ ኣገልግሎት ፅሩይ መስተ ማይ ከምዝኸውን ተሓቢሩ።