Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልል ትግራይ ስራሕቲ ሕድሳትን ፅገናን ጥንታዊ ሓድጊታት ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ዝርከቡ ጥንታዊ ሓድጊታት ስራሕቲ ሕድሳትን ፅገናን እናተኻየደ ምዃኑ ቢሮ ባህሊን ቱሪዝምን ግዚያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ክልል ኣብ 4ይ ክፍለ ዘበን ዝተሃነፂ ጥንታዊ ኪነ ህንፃታት፣ ሓድጊታትን ካልኦት ታሪኻዊ ቦታታት መስሕብ ቱሪዝምም ፅገናን ሕድሳትን እናተገበረሎም ከምዝርከብ ሓላፊ እቲ ቢሮ ኣፅብሃ ገብረእግዚአብሄር (ዶ/ር) ተዛሪቦም።

ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ 10 ዝኾኑ ጥንታዊ ገዳማት፣ ኣብያተ-ክርስቲያናትን ካልኦት ታሪኻዊ ቦታታትን ብሰብ ሞያ ተፀጊኖም ንኣገልግሎት ክፍቲ ከምዝተገበሩ ገሊፆም።

ጥንታዊ ቤተ መንግስቲ የሓ፣ መስጊድ ኣልነጃሺን ሓወልቲ ኣኽሱምን ብናይ ወፃኢ ተቛረፅቲ ህንፃ ኣቢሎም ብጥንቃቐ ስራሕቲ ፅገናኦም እናተሳለጠ ከምዝርከብ ብምግላፅ፤ ኣብቲ ክልል ዝርከባ ኣርባዕቲአን ዩኒቨርሲቲታት ሓገዝ ሰብ ሞያ ኣብ መሃብ ኣስተዋፅኦ እናገበራ ከምዝኾና ሓቢሮም።

ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከቡ ሓድጊታት ናይ ምፅጋን፣ ምሕላውን ምፍላጥን ማሕበረሰብ ተኮር ልምዓት ቱሪዝም ንምስፍሕፋሕን ፍሰት ቱሪስታት ውሽጢ ሃገርን ወፃኢን ንምውሳኽ ከምዝሓገዘ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.