ኣብ ክልል ኣምሓራ መድረኽ ዘተ ዝምልከቶም ኣካላት ተጀሚሩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ኣምሓራ ስራሕቲ መድረኽ ምትእኽኻብ ኣጀንዳ የሳልጥ አሎ፡፡
ተወከልቲ ማሕበረሰብ ወረዳ ምትእኽኻብ ኣጀንዳን ሓፈሻዊ ወኪላትን እቲ ኣኼባ ዘተ ናይ ምምራፅ ስራሕ 1 መጋቢት 2017 ዓ.ም ምዝዛሙ ይፍለጥ፡፡
ሎሚ ድማ ሓሙሽተ ዝምልከቶም ኣካላት ዘሓዘ መድረኸ ዘተ ምጅማሩ ተገሊፁ፡፡
ኣብቲ ከይዲ ዘተ ተወከልቲ ትካላት መንግስቲ፣ መንግስታዊን ዘይመንግስታዊን ተወከልቲ ማሕበራት፣ ተወከልቲ ፓርቲታት ፖለቲካ፣ ፅዕንቶ ፈጠርቲ ውልቀ ሰባት ኣብ ፈላማይ ዙር ጉባኤ ሃገራዊ ዘተ ዝተመረፁ ተወከልቲ ማሕበረሰብ ወረዳ ተሳቲፎም፡፡