ኣብ ክልል ጋምቤላ ክታበት መከላኸሊ ኮሌራ ይወሃብ ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ፣ 20 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ክልል ጋምቤላ ንልዕል 990 ሺሕ ክፋላት ማሕበረሰብ ተበፃሒ ዝገብር ክታበት መከላኸሊ ሕማም ኮሌራ ይወሃብ ኣሎ።
ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር መቅደስ ዳባ ነቲ ክትባት ኣብ ዘጀመራሉ እዋን፥ ለበዳ ሕማም ኮሌራ ኣብ ዘጋጠመሎም ወረዳታት ጊዚያዊ ማእኸላት መሐከሚ ኮሌራ ከምዝተጣየሻ ተዛሪበን።
ነቲ ለበዳ ዝተውሃበ ምላሽ ውፅታዊ ክኸውን መእንታ ተሳትፎ ማሕበረሰብ ብምትሕብባር ስራሕቲ ጎስጓስ ከምዝተገበሩ ገሊፀን።
እቲ ክታበት ውፅኢታዊ ንክኸውን ኩሉ ሰብ ግድኡ ክዋፃእ ይግባእ ድማ ኢለን።