ኣብ ወረዳ ደንዲ ብሓደጋ ትራፊክ ህይወት 6 ሰባት ሓሊፉ
ኣዲስ ኣበባ፣ 1 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ምዕራብ ሸዋ ወረዳ ደንዲ ብሰንኪ ዘጋጠመ ሓደጋ ትራፊክ ህይወት ሽዱሽተ ሰባት ሓሊፉ፡፡
እቲ ሓደጋ ካብ ወረዳ ግንደበረት ናብ ከተማ ጊንጪ እትጓዓዝ ዝነበረት ተሸከርካሪት ብሰንኪ ምግልባጣ ኢዩ ኣጋጢሙ ተባሂሉ፡፡
በቲ ሓደጋ ህይወት ሽዱሽተ ሰባት ምሕላፉን ኣብ ልዕሊ 16 ሰባት ድማ ቀሊልን ከቢድን መጉዳእቲ ምብፅሑ ሓበሬታ ኮሙኒኬሽን እቲ ወረዳ ይገልፅ፡፡
ጉድኣት ዝበፅሖም ሰባት ኣብ ቀዳማይ ብርኪ ሆስፒታል ጊንጪ ሕክምና ዝከታተሉ ዘለዉ እንትኾኑ፥ መበገሲ እቲ ሓደጋ እናተፃረየ ይርከብ ተባሂሉ፡፡