Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ወረዳ ጋንታኣፈሹም ብበዓል ሃፍቲ ዘርኡ ገብረሊባኖስ ብልዕሊ 50 ሚሊየን ብር  ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ክህነፅ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ዞባ ምብራቕ ትግራይ ወረዳ ጋንታ ኣፈሹም ጣብያ ሓድነት ብበዓል ሃፍቲ ዘርኡ ገብረሊባኖስ ህንፀት ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ንምህናፅ ዘኽእል እምነ ኩርናዕ ተነቢሩ።

ኣብቲ ስነ ስርዓት ምንባር እምነ ኩርናዕ፥ ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኪሮስ ጉዕሽ(ዶ/ር)፣ ኣካላት ኣመራርሓ ወረዳ ጋንታ ኣፈሹምን ነበርቲ እቲ ከባቢን ተረኺቦም።

እቲ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ብልዕሊ 50 ሚልየን ብር ዝህነፅ እንትኸውን፥ ህንፀቱ ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ክውገን ትልሚ ከምዝተትሓዘ ተገሊፁ።

ኪሮስ ጉዕሽ(ዶክተር)፥ መንግስቲ ንኹሎም ጠለባት መሰረተ ልምዓት ሕብረተሰብ በጀት መዲቡ ክሰርሕ መፀገማይ ስለ ዝኾነ ዓቕሚ ዘለዎም ኣብ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ዝርከቡ ሰብ ሃፍቲ ተጋሩ ብዝተወደበን ብተናፀልን ክነጥፉ ኣለዎም ኢሎም።

በዓል ሃፍቲ ዘርኡ ገብረሊባኖስ፥ ትግራይ ዝተምሃረ ሓይሊ ንኽህልዋ ብቐፃልነት ከካይድዎ ዝፀንሑን ዘለውን ደገፋት ድማ ንኢዶም።

እቲ ቤት ትምህርቲ ህንፀቱ ተጀሚሩ ክሳብ ዝዛዘም ቢሮኦም ኣድላይ ደገፍን ክትትልን ከም ዝገብር ኣረጋጊፆም።

በዓል ሃፍቲ ኣይተ ዘርኡ ገብረሊባኖስ ብግደኦም፥ ሓንቲ ዓዲ ምዕብልንኣ እተረጋግፅ ብዝተምሃረ ሓይሊ ሰብ ስለዝኾነ ንምርግጋፅ ፅሬት ትምህርቲ ኣብ ዝሕግዙ ጉዳያት ዓቕሞም ዘፍቀዶ እናደገፉ ከም ዝመፁን ብቐፃልነት እውን ከም ዝሕግዙን ቃል ኣትዮም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.