Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ውድድር ስፖርት ትካል ሕብረት ኣዘዝቲ ፖሊስ ምብራቕ ኣፍሪካ ፖሊስ ኢትዮጵያ ብውርወራ ጦር ስዒሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ 5ይ ኣብ ውድድር ስፖርት ትካል ሕብረት ኣዘዝቲ ፖሊስ ምብራቕ ኣፍሪካ ፖሊስ ኢትዮጵያ ብደቂ ኣንስትዮ ውርወራ ጦር 1ይ ን 2ይን ብምውፃእ ተዓዋቲ ኮይኑ።

ኣብቲ ውድድር ፖሊስ ኬኒያ 3ይ ደረጃ ብመሓዝ ዛዚሙ።

ብውርወራ ጦር ደቂ ተባዕትዮ ፖሊስ ኬኒያ 1ይን 2ይን ደረጃ ብመሓዝ እንትዛዝም ፖሊስ ኢትዮጵያ 3ይ ደረጃ ብመሓዝ ክዛዝም ክኢሉ።

ፖሊስ ኬኒያ ብ200 ሜትር ጉያ ብደቂ ኣንሰትዮ ካብ 1ይ ክሳብ 3ይ ብምውፃእ እንትዕወቱ÷ ብደቂ ተባዕትዮ ፖሊስ ኬኒያ 1ይን 3ይን ደረጃ ብመሓዝ ዛዚሙ።

ፖሊስ ኢትዮጵያ እውን ብደቂ ተባዕትዮ 200 ሜትሮ 2ይ ብምውፃእ ውድድሩ ዛዚሙ፡፡

ብሓፈሻ ካብ ዝተሰናደአ 12 ሜዳሊያ ፐሊስ ኬኒያ 8 ሜዳሊያታት ብምርካብ እንትመርሕ÷ ፖሊስ ኢትዮጵያ 4 ሜዳሊያታት ብምርካብ ኣብ 2ይ ደረጃ ይርከብ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.