ኣብ ዓዉዲ መዓድን ዘሎ ዘይሕጋዊነት ደዉ ንምባል ተጠናኺሩ ክቕፅል እዩ – ኣይተ ጌታቸው ረዳ
ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ዓዉዲ መዓድን ዝርኣዩ ዘለዉ ዘይሕጋዊ ምንቕሽቃሳት ደዉ ንምባል እናተወሰዱ ዘለዉ ስጉምቲታት ተጠናኺሮም ከምዝቕፅኡ ርእሰ ምምሕዳር ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ጌታቸዉ ረዳ ገሊፆም፡፡
እቶም ርእሰ ምምሕዳር ኣብ ከተማ መቐል ካብ ሸዉዓተ ክፍለ ከተማታት ምስ ዝተዉፃእፅኡ መናእሰይ ኣብ ጉዳያት ልምዓት፣ ፈጠራ ዕድል ስራሕን ካልኦት እዋናዊ ጉዳያትን ኣድሂቦም ተዛቲዮም፡፡
ኣብቲ መድረኽ ዘተ መናእሰይ ኣብቲ ክልል ሰላም ንምፅናዕ፣ ልምዓት ንምስላጥ ከምኡ እዉን ሰናይ ምምሕዳር ንምዕሳል ዝተትሓዙ ትልሚታት ሓቲቶም፡፡
ርእሰ ምምሕዳር ግዚያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣብ ዝሃብዎ መብራህርሂ÷ እቲ ግዚያዊ ምመሕዳር ሰላም ኣብ ምፅናዕን ልምዓት ክቕፅል ኣብ ምግባር ከምኡ እውን ካልኦት ሕቶታት ንምምላስ ቆራፅነት ከምዘለዎ ገሊፆም፡፡
እቲ ግዚያዊ ምምሕዳር ክሳብ ቀበሌ ዘለዉ መሓውራት ብምጥንኻር ዝተቛረፁ ስራሓቲ መሰረተ ልምዓት ንምቕፃል ተረባሕነት ህዝቢ ንምርግጋፅ ከምዝሰርሕ ተዛሪቦም፡፡
መናእሰይ ኣብ ጎኒ ግዚዊ ምምሕዳር ደዉ ብምባል ዝተጀመረ ሰላም ንምፅናዕን ልምዓት ንምቅልጣፍን ኣብዝግበሩ ምንቅስቓሳት ክሳተፉ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡