Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዕልባት ኲናት ሩሲያ ዩክሬን  ዝዝቲ መድረኽ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ዕልባት ኲናት ሩሲያ ዩክሬን  ዝዝቲ መድረኽ ልዝብ ኣሜሪካ ሩሲያ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ይሳለጥ ኣሎ።

ኣሜሪካን ሩሲያን ደሕሪ ኲናት ሩሲያ ዩክሬን ገፅ ንገፅ ተራኺበን እንትዛተያ እዚ ፈላማይ መድረኽ ኢዩ።

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ሩሲያ ሰርጌይ ላቭሮቭ ምስ ኣሜሪካ መዘነኦም ማርኮ ሩቢዮ ኣብ ሪያድ ዝተራኸቡ እንትኾኑ፥ ዩክሬን ሓዊሱ ዝኾነት ትኹን ተወካሊ ሃገር ኣውሮፓ ኣብቲ ዘተ ሰላም ኣይተኣንገደን።

ምስ ሩሲያ ዝግበር እቲ ዘተ ኲናት ደው ንምባል ፈላማይ ስጉምቲ ከምዝኾነ ኣሜሪካ ኣፍሊጣ።

ብኣቤል ንዋይ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.