ኣብ ዕዳጋ ሰነደ ሙኣለ ንዋያት ብኸመይ ምስታፍ ይከኣል?
ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ዕዳጋ ሰነደ ሙኣለ ንዋያት መብዛሕትኡ ግዘ ኣክሲዮን፣ ቦንድ መንግስቲ፣ ሰነድ ግምጃ ቤት መንግስቲ፣ ቦንድ ኩባንያታትን ካልኦት ቦንድታትን ናብ ማእኸላይይ ቦታ ብምምፃእ ዝተዓዳደጉሉ መድረኽ ኢዩ፡፡
መንግስቲን ዘፈር ውልቀን ዝውግኑዎም ኢንቨስትመንታት ካፒታል ንምትእኽኻብ ዓቕሚ ኣብ ዝፈጥር ዕዳጋ ሰነደ ሙኣለ ንዋያት ንስታፍ ብዛዕባ ዝከኣለሉ መገዲ ሕቶታት ይለዓሉ ኢዮም።
ዝኾነ ይኹን ሰብ ብዓቕሙ ኣብ ዕዳጋ ሰነደ ሙኣለ ንዋያት ክሳተፍ ዝኽእል እንትኸውን÷ ካብ ውልቀ ሰብ ጀሚሩ ክሳብ ላዕለዎት ሰብ ሃፍቲ ተረባሕቲ ክኾኑ ዕድል ዝፈጥር ኢዩ፡፡
ካብ ደቀቕቲን ኣናእሽቲን ጀሚሩ እናዓበዩ ዝርከቡ ኩባንያታትን ዓበይቲ ኩባንያታትን እውን ዘሳትፍ ኢዩ፡፡
ካብ ሞንጎ ተዋሳእቲ እቲ ዓውዲ ዕዳጋ ሰነደ ሙኣለ ንዋያት ደለልቲ ዝፅርሑ እንትኾኑ÷ ግቡእ መመዘኒ ኣማሊኦም እንትርከቡ ፍቓድ ኣባል መራኸቢ ካብ ካፒታል ዕዳጋ ክረኽቡ ይኽእሉ፡፡
በዚ ድማ ኩባንያታት ምስ ዓደግቲ ኣክሲዮን ምርኻብ፣ ክፍሊት ኣብ ምዝዛም ዝህሉ ፀገም ኣብ ምፍታሕ (ክፍሊት መሰላጥ) ከምኡ እውን ኢንቨስተራት ውፅታዊ ዝኾኑሉን ኣማራፂ ብምምኻር ግደኦም ይፃወቱ።
ሓሳብ ሃሊዩዎም ገንዘብ ዘይብሎም ድማ እናተሃነፁ ብዝርከቡ ስርዓታት መሰረት ናብቲ ዕዳጋ ብምምፃእ ክሰርሑ ዝደልዩዎ፣ ዝበፅሑዎ ደረጃን መሰል መሕተታትን ብምእታው ከባቢኦም (ምስ መሓዛ፣ ማሕበረሰብ፣ ምስ ዳያስፖራን ካልኦትን) ነቲ ስራሕ ዝሕግዝ ገንዘብ ምትእኽኻብ ዝኽእሉሉ ዕድል ይፈጥር።
ካብዚ ድማ ክብ እንትብል ውሑድ ሚሊየን ምትእኽኻብ ዝደሊ ሰብ ወይ እውን ፋይናንስ ሪፖርት ኣብ ምዕባይ ዝርከበ ኩባኒያታት፣ ምምሕዳር ኩባንያ፣ ተገዛእነት ሕጊን ካልኦት ቅድመ ኩነትን ብምምላእ ኣብ ዕዳጋ ቀሪቦም ፋይናንስ ከተኣኻኽቡ ይኽእሉ፡፡
ብፌቨን ቢሻው