ኣብ ዝሓለፉ 9 ኣዋርሕ ብምትጋህን ብምልፋዕናን ዝረኣይን ዝጭበጥን ውፅኢት ኣመዝጊብና – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ዝሓለፉ 9 ኣዋርሕ ዝተመዝገቡ ዓወታት ከይተዘናጋዕና ንልዑል ውፅኢት ክንተግህ ኣለና ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ገሊፆም፡፡
ቀዳማይ ሚኒስትርን ኣባላት ካቢኔን ኣብ ዝተረኸብሉ ገምጋም ኣፈፃፅማ ትልሚ ትሸዓተ ኣዋርሕ ይካየድ ኣሎ፡፡
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብቲ እዋን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ÷ ኣብ ዝሓለፉ ትሽዓተ ኣዋርሕ ልዕሊ ትልሚ ምምዝጋቡ ገሊፆም፡፡
“ብምትጋህን ብምልፋዕናን ዝረኣይን ዝጭበጥን ውፅኢት ሪኢና ኢና” ኢሎም፡፡
ሕድሕድ ኣብቲ ዓውዲ ዝተረኸቡ ውፅኢት ንተወሳኺ ፃዕሪ ዘለዓዕልን ሃገራዊ ዕቤት ንምርግጋፅ ዝሕግዝን ምዃኑ ገሊፆም፡፡
ኣባላት ካቢኔ ዝተረኸበ ዓወት ከይኣዘናግዖም ተወሳኺ ትግሃት ፈጢሮም ክሰርሑ ከምዝግባእ ኣፅንኦት ሂቦም፡፡
ብምዃኑ ዝተረኸበ ውፅኢት ተወሳኺ ትግሃት ምጥቃምን ኣብ ዝቕፅሉ ሰለስተ ኣዋርሕ ካብ ዝተተለመ ንላዕሊ ንምዕዋት ክስራሕ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም፡፡