ኣብ ዝሓለፉ 9 ኣዋርሕ ኢትዮጵያ ኣብ ኮንፈረንስ ቱሪዝም ልዑል ውፅኢት ኣመዝጊባ – ሚኒስትር ቱሪዝም ሰላማዊት ካሳ
ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ በጀት ዓመት 2017 ኣብ ዝሓለፉ ትሽዓተ ኣዋርሕ ኢትዮጵያ ኣብ ኮንፈረንስ ቱሪዝም ልዑል ውፅኢት ከምዘመዝገበት ሚኒስትር ቱሪዝም ሰላማዊት ካሳ ገሊፀን።
ትማሊ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸቡሉ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ዝተወገኑ ኣፈፃፅማ ትልሚ ትሽዓተ ኣዋርሕ በጀት 2017 ተገምጊሙ።
ሚኒስትር ቱሪዝም ሰላማዊት ካሳ ነቲ ገምጋም ስዒቡ ኣብ ዓውዲ ቱሪዝም ዝተመዘገበ ውፅኢት ብዝምልከት ኣብ ዝሃበኦ መብርሂ÷ ኣብ ኮንፈረንስ ቱሪዝም ልዑል ትኹረት ተገይሩ እናተሰርሐ ምፅንሑ ኣልዒለን።
ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 9 ኣዋርሕ ልዕሊ 60 ዓለም ለኸ፣ ኣህጉራዊን ዞባዊን ጉባኤታት ክተተኣናግድ ከምዝኸኣለት ብምዝኽኻር÷ እዚ ድማ ምስ ዝሓለፈ ዓመት ተመሳሳሊ እዋን እንትነፃፀር ብዙሕ ለውጢ ዝተርኣየሉ ከምዝኾነ ኣመልኪተን።
መንግስቲ ንኮንፈረንስ ቱሪዝም ዘድልዩ መሰረተ ልምዓታት ካብ ምምችቻው ጀሚሩ ኣብ ዓውዲ ዲፕሎማሲ ዝተሰርሑ ስራሕቲን ትካላት ዝሃበኦ ትኹረት ለውጢ ንኽርከብ ምኽንያት ከምዝኾነ ሓቢረን።
ብኣድማሱ ኣራጋው