Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዝቕፅሉ 10 መዓልታት ዝናብ ዝህቡ ምስልታት ሜትሮዎሎጂ ተጠናኺሮም ክቕፅሉ እዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ዝቕፅሉ 10 መዓልታት ዝናብ ዝህቡ ምስልታት ሜትሮዎሎጂ ኣብ መብዛሕቲኦም ዝናብ ሓጋይ ተጠቀምቲ ከባቢታት ተጠናኺሮም ከምዝቕፅሉ ኢንስቲትዩት ሚቲዎሮሎጂ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ፡፡

ምስዙይ ብዝተተሓሓዘ ኣብ ደቡብ ምዕራብ፣ ደቡብ፣ ማእኸላይ፣ ምብራቕን ከምኡ እውን ከባቢታት ሓጓፍ ሽንጥሮ ዝተመሓየሸ ጥንካረ ከምዝህልዎም ተገሊፁ፡፡

ስለዝኾነ ኣብ ሓጋይ ዘብቕሉ ከባቢታት ብዙሓት ቦታታት ዝሽፍን ካብ ቀሊል ክሳብ ማእኸላይ መጠን ዘለዎ ዝናብ ከምዝረኽቡ ተሓቢሩ፡፡

ብተወሳኺ ኣብ ከባቢታት ደቡብ ምዕራብ፣ ደቡብን ሰሜን ምዕራብን ከቢድ መጠን ዘለዎ ዝናብ ከምዝረኽቡ ተገሊፁ፡፡

 

 

 

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.