Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዞባታት ኢንዱስትሪ ተሳትፎ ኩባንያታት ቻይና ንምዕባይ ይስራሕ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኩባንያታት ቻይና ኣብ ፍሉይ ዞባታት ኢኮኖሚ ናፃ ንግዲ ቀጣና ዘለዎም ተሳትፎ ኢኮኖሚ ብዝበለፀ ንምዕባይ እናተሰርሐ ምዃኑ ኮርፖሬሽን ፓርክታት ልምዓት ኢንዱስትሪ ኣፍሊጡ፡፡
ኣምባሳደር ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ ቼን ሃይ ኣብ ጅማ ፍሉይ ዞባ ኢኮኖሚ ስራሕቲ ምንቅስቓሳት ዑደት ምግባሮም ሓበሬታ ናይቲ ኮርፖሬሽ የረድእ፡፡
ዑደቶም ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ዓሚቕ ሃፍቲ ተፈጥሮ ንምቅንብባር ዘኽእሉ ስራሕቲ መሰረተ-ልምዓታት ከምዝተዓዘቡ ገሊፆም፡፡
ፈፃሚ ስራሕ ዓውዲ ማርኬቲንግን ኢንቨስትመንት ፕሮሞሽንን እቲ ኮርፖሬሽን ዘመን ጁነዲ ብግዲኦም÷ ኢንቨስትመንት፣ ልምዓት ሃፍቲ ሰብ፣ ፍልጠትን ክእለትን ስግግር ዘለዎም ምትሕብባር ንምጥንኻር ምስቲ ኤምባሲ ከምዝሰርሑ ገሊፆም፡፡
ብመንግስቲ እናተወሰዱ ዘለው ምብርትታዓት ኢንቨስትመንት ተግባራት ሪፎርም ብምሕባር÷ኣብ ኢትዮጵያ ኢንቨስት ምግባር ዘዋፅእ ምዃኑ ኣረዲኦም፡፡
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.