ኣብ ዩንቨርስቲ ኣርባምንጭ ኣካዳሚ ማሪታይምስ ንምኽፋት ዘኽእል ስምምዕነት ተኸቲሙ
ኣዲስ ኣበባ፣ 20 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ዩንቨርስቲ ኣርባምንጭ ኣካዳሚ ማሪታይምስ ንምኽፋት ዘኽእል ስምምዕነት ተኸቲሙ።
እቲ ሰነድ ስምምዕነት፥ በዓል መዚ ማሪታይም ኢትዮጵያ ባሕረኛታት ኣሰልጢኑ ንዕዳጋ ዓለም ንምቕራብን ተወሳኺ ዕድል ስራሕ ንምፍጣርን ዝዓለመ ኢዩ።
ኣብቲ ዩንቨርስቲ ዝኽፈት ኣካዳሚ ማሪታይም ንኢትዮጵያ መበል ሳልሳይ ኢዩ።
ኣካዳሚ ሎጅስቲክስን ማሪታይምን ባቦጋያ ከምኡ’ውን መሰልጠኒ ኢንስቲትዩት ማሪታይም ኢትዮጵያ ባሕረኛታት ብምስልጣን ንዕዳጋ ዓለም ኣብ ምቕራብ ከምዝርከብ ኣብቲ በዓል መዚ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።