Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ድሬዳዋ ተኸተልቲ ሃይማኖት እስልምና ካብ ስግደት ንዝምለሱ ክርስቲያን ምዕመናን መኣዲ ኣካፊሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ድሬዳዋ ተኸተልቲ ሃይማኖት እስልምና ካብ ስግደት ንዝምለሱ ክርስቲያን ምዕመናን መኣዲ ኣካፊሎም፡፡

በዓል ስቕለት ሎሚ መዓልቲ ካብ ወጋሕታ ጀሩ ኣብ ድሬዳዋ ብዝርከቡ ተኸተልቲ እምነት ክርስትና ብስግደት፣ ብዝማሬ፣ ብፀሎትን ብንስሃ ተዘኪሩ ውዒሉ።

ኣቦታትን ተኸተልቲ እምነት እስልምናን ነናብ ደገሰላም እተን ኣብያተ ክርስቲያናት ብምኻድ ካብ ስግደት ንዝምለሱ ኣሓትን ኣሕዋትን ተኸተልቲ እምነት ክርስትና መኣዲ ብምክፋል ሓድነቶም ኣርኢዮም።

ኣብቲ ስነ-ስርዓት ምክፋል መኣዲ ብከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ድሬዳዋ ከድር ጁሃር ዝተመርሐን ኣባላት ካቢኔ አቲ ምምሕዳርን ዘካተተ ጉጅለ ከምዝሳተፉ ተሓቢሩ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.