ኣብ ጉባኤ ፓርቲ ብልፅግና ዝተቐመጡ ውሳነታት ንክዕወቱ ኣባላት ኣወዳድባ በልፅግና ትካላት ፌዴራል ግድኡ ዝለዓለ ኢዩ – ኣለሙ ስሜ (ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ጉባኤ ፓርቲ ብልፅግና ዝተቐመጡ ውሳነታት ንክዕወቱ ኣባላት ኣወዳድባ ብልፅግና ትካላት ፌዴራል ግድኡ ዝለዓለ ኢዩ ኣባል ቤት ምኽሪ ፓርቲ ብልፅግናን ኣካቢ ኣወዳድባ ብልፅግና ትካላት ፌዴራልን ኣለሙ ስሜ (ዶ/ር) ገሊፆም።
ኣብ ኣንፈታትን ውሳነታትን ካልኣይ ስሩዕ ጉባኤ ፓርቲ ብልፅግና ጠመተ ዝገበረ መድረኽ ዘተ ኣባላት ኣወዳድባ ብልፅግና ትካላት ፌዴራል ይካየድ ኣሎ።
ኣባል ቤት ምኽሪ ፓርቲ ብልፅግናን ኣካቢ ኣወዳድባ ብልፅግና ትካላት ፌዴራልን ኣለሙ ስሜ (ዶ/ር)፥ እቲ ጉባኤ ብኹለ መዳይ ዕዉት ኮይኑ ተዛዚሙ ኢሎም።
ኣብ ፈላማይ ጉባኤ እቲ ፓርቲ ዝተቐመጡ ኣንፈታት ዕዉታት ኮይኖም ምዝዛሞም ኣብቲ ካልኣይ ጉባኤ ምግምጋሞ ተዛሪቦም።
ነዚ እውን ኣወዳድባ ብልፅግና ትካላት ፌዴራል ዝነበረን ግደ እወንታዊ ኣስተዋፅኦ ከምዘበርከተ ገሊፆም።
ኣብ መበል ካልኣይ ስሩዕ ጉባኤ ዝተቐመጡ ውሳነታትን ኣንፈታትን ውፅኢታዊ ብዝኾነ መገዲ ንክትግበሩ ግደ ኣባላቱ ብዝበለፀ ክጠናኸር ከምዝግባእ እውን ሓቢሮም።
እቶም ውሳነታትን ኣንፈታትን ኣብ ውሽጢ ፖሊሲታትን ስትራቴጂታትን ተኻቲቶም ክትግበሩ ከምዝግባእ ሓቢሮም።
ነዚ እውን እተን ትካላት ምስ ዝሓዝኦም ትልሚታት ብዝተናበበ መገዲ ምትግባር ከመዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።