ኣብ ግልጋሎት ህዝብን ፅዕነትን ዝተዋፈሩ ኣሽከርከርቲ ብቕዓቶም ንምልካዕ ምድላዋት ይግበር ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ፣ 9 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሓደጋ መገዲ ትራፊክ ንምክልኻል ኣብ ግልጋሎት ህዝብን ፅዕነትን ዝተዋፈሩ ኣሽከርከርቲ ብቕዓቶም ንምልካዕ ምድላዋት ይግበር ከምዘሎ ሚኒስቴር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ኣፍሊጡ፡፡
እቲ ሚኒስቴር ምስ ሚኒስቴር ስራሕን ክእለትን ከምኡውን ምስ ካልኦት ትካላት ብምትሕብባር ብቕዓት ኣሽከርከርቲ ንምምዛን ምድላዋት እናወገነ ምዃኑ ገሊፁ፡፡
ሚኒስትር ዲኤታ ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን በርኦ ሓሰን ÷ ሓደጋ መገዲ ትራፊክ ንምክልኻል ዘኽእል ኣብ ግልጋሎት ህዝብን ፅዕነት ንግዲን ዝተዋፈሩ ተሸከርከርቲን ኣሽከርከርቲን ብቕዓቶም ንምልካዕ ዘኽእል ሰነድ እናተዳለወ ምዃኑ ተገሊፁ፡፡
እቲ ብቕዓት ምዘና በቢብርኩ ተከፋፊሉ ዝዉሃብ ከምዝኾነን ኣብ ፈላማይ ዙር ሃገር ኣቋረፅቲ ኣዉቶቢሳትን ዶብ ተሳገርቲ ናይ ፅዕነት ተሽከርከርቲን ኣሽከርከርቲን ብቕት ንምልካዕ ዘኽእል ምድላው ምዝዛሙ ተሓቢሩ፡፡
እቶም ኣሽከርከርቲ ኣብ ዘለውዎ ቦታ ምዘና ብቕዓት ከመይ ይምዝገቡን ብከመይ ስልጠና ተሃድሶ ክወስዱ ከምዘለዎምን ብሲስተም ዝማዕበለ ኤስ.ዲ.ኤስ. ምስ ዝተብሃለ ትካል ዘተ ምክያዱ ተሓቢሩ፡፡
እቲ ኣሰራርሓ ተፈፃሚ ንክኾን ምስዝምልከቶም ኣካላት ኣብ ቀፃሊ ዘተ ከምዝካየድ ኣብቲ ሚኒስቴር ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ፡፡