ኣብ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ሎሚ ክልተ ትፅቢት ዝግበሩሎም ፀዋታታት ከካይዱ እዮም
ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) መበል 32 ሰሙን ዝካየድ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ማንቼስተር ሲቲ ምስ ክሪስታል ፓላስ ከምኡ እውን ኣርሰናል ምስ ብሬንትፎርድ ፀወታ ከምዘካይዱ ትፅቢት ይግበር፡፡
ሎሚ ቀትሪ ሰዓት 8ን ፈረቓን ዝካየድ ናይዚ ሰሙን መኽፈቲ ፀዋታ ማንቼስተር ሲቲ ምስ ክሪስታል ፓላስ ኣብ ሜድኡ ክጋጠሙ ትፅቢት ኣሎ፡፡
እቲ መርሃ ግብሪ እንትቕፅል ድማ ሰዓት 11 ሰለስተ ፀወታታት ዝካየዱ እንትኾን÷ በዙይ እውን ብራይተን ምስ ሌስተር ሲቲ፣ ኖቲንግሃም ፎረስት ምስ ኤቨርተን ከምኡ እውን ሳውዝሃምፕተን ምስ አስቶንቪላ ክራኸባ እየን፡፡
ምሸት ሰዓት 1ን ፈረቓን ድማ ኣርሰናል ኣብ ስታዲየም ኤሚሬትስ ንብሬንትፎሮድን ክተተኣናግድ እያ፡፡