ኣብ 222 ዝተመረፁ ወረዳታት ዝርግሐ ዓሶ ንምንካይ ጠመተ ተዋሂብዎ ይስራሕ ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ 10 ክልላት 222 ዝተመረፁ ወረዳታት ዝርግሐ ዓሶ ንምንካይ ዘኽእል ስራሕ እናተሰርሑ ምዃኖም ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ፡፡
መሪሕ ፈፃሚ ስራሕ ምክልኻልን ምቁፅፃርን ሕማም ዓሶ ኣብቲ ሚኒስቴር ጉዲሳ ኣሰፋ ንፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ከምዝበልዎ÷ዝርግሐ ዓሶ ንምንካይ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብዝተገበረ ርብርብ ውፅኢት ተመዝጊቡ፡፡
ኣብ ኢትዮጵያ ዝርግሐ ዓሶ ዘለወን 222 ወረዳታት ምፍላዮም ብምሕባር÷ ኣብዞም ከባቢታት ዝርግሐ ዓሶ ንምንካይ ካብ ፍልፍሉ ንምጥፋእ ዘኽእል ስራሕ ምጅማሩ ተዛሪቦም፡፡
ብተካልኝ ኃይሉ