Fana: At a Speed of Life!

ኣብ 24 ትካላት ዓመታዊ ምርመራ ቴክኒክ ተሽከርከርቲ ስጉምቲ ተወሲዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ልዕሊ 24 ትካላት ዓመታዊ ቴክኒክ ምርመራ ተሸከርከርቲ ስጉምቲ ምውሳዱ በዓል መዚ ኣሽከርከርቲን ተሸከርከርቲን ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ።
እቲ በዓል መዚ ኣብ ልዕሊ እቶም ትካላት ጠመተ ሂቡ ብምግምጋሙ ልዑል ዝብሃል ክፍተት ዝተረኸበሎም ትካላት ስጉምቲ ምውሳዱ ገሊፁ፡፡
በዚ መሰረት ክልተ ትካላት ምርመራ ፍቓዶም ዝሰርዘ እንትኾን÷ ኣብ ኣርባዕተ ትካላት ድማ ንሰለስተ ኣዋርሕ ተኣጊዶም ክፍተቶም ንኽእርሙ ተወሲኑ፡፡
ብተወሳኺ ኣብ ሽዱሽተ ትካላት ንሓደ ወርሒ ስራሕ ደው ከብሉ ከምኡውን ኣብ 12 ትካላት ናይ መወዳእታ መጠንቀቕታ ዝተውሃቦም ምዃኑ የረድእ፡፡
ኣብ ቐፃሊ ነበርቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ስሉጥ ግልጋሎት ምርኻብ ንክኽእሉ ብቆፅነት ከምዝሰርሕ እቲ በዓል መዚ ኣፍሊጡ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.