ኣቦታት ሃይማኖት ብዛዕባ ሰላም ምስባኽ ቐንዲ ተግባሮም ክኸውን ይግባእ ተባሂሉ
ኣዲስ ኣበባ ፣ 30 መጋቢት፣ 2017 ዓ.ም (ኤፍ ቢ ሲ)ትካላት ሃይማኖትን ኣቦታት ሃይማኖትን ኣብ ፀለቶም ይኹን ኣብ ዘረበኦም ብዛዕባ ሰላም ምስባኽ ቀንዲ ተግባሮም ክኸውን ከምዝግባእ ትካላት ሃይማኖት ክልል ኦሮሚያ ኣገንዚቡ፡፡
እቲ ጉባኤ ዘሰናድኦ ኮንፈረንስ ሰላም÷”ሃይማኖት ንሰላም፣ ንምክብባር፣ ሓበራዊነትን ሓድነትን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ከተማ ጅማ ተኻይዱ፡፡
ዕላማ እቲ ኮንፈረንስ÷ ንዘበናት ዝተሳገረ ብሓበራዊነትን ሰላም ምፅናዕን ምዃኑ ምክትል ኣካቢ እቲ ጉባኤ ሼክ ጋሊ ሙክታር ኣፍሊጦም፡፡
ሰላም ናይ ኩሉ መሰረታዊ ሃይማኖት ኣስተምህሮ ምዃኑ ብምሕባር÷ ፀሎት ብስርዓት ኣብ ምክያድ ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ስራሕቲታት ምስራሕ ዝክኣል ሰላም እንትህልው እዩ ክብሉ ብኣፅንኦት ተዛሪቦም፡፡
ብሙክታር ጠሃ