Fana: At a Speed of Life!

ኣቦታት ሃይማኖት ብዛዕባ ሰላም ምስባኽ ቐንዲ ተግባሮም ክኸውን ይግባእ ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 30 መጋቢት፣ 2017 ዓ.ም (ኤፍ ቢ ሲ)ትካላት ሃይማኖትን ኣቦታት ሃይማኖትን ኣብ ፀለቶም ይኹን ኣብ ዘረበኦም ብዛዕባ ሰላም ምስባኽ ቀንዲ ተግባሮም ክኸውን ከምዝግባእ ትካላት ሃይማኖት ክልል ኦሮሚያ ኣገንዚቡ፡፡

እቲ ጉባኤ ዘሰናድኦ ኮንፈረንስ ሰላም÷”ሃይማኖት ንሰላም፣ ንምክብባር፣ ሓበራዊነትን ሓድነትን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ከተማ ጅማ ተኻይዱ፡፡

ዕላማ እቲ ኮንፈረንስ÷ ንዘበናት ዝተሳገረ ብሓበራዊነትን ሰላም ምፅናዕን ምዃኑ ምክትል ኣካቢ እቲ ጉባኤ ሼክ ጋሊ ሙክታር ኣፍሊጦም፡፡

ሰላም ናይ ኩሉ መሰረታዊ ሃይማኖት ኣስተምህሮ ምዃኑ ብምሕባር÷ ፀሎት ብስርዓት ኣብ ምክያድ ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ስራሕቲታት ምስራሕ ዝክኣል ሰላም እንትህልው እዩ ክብሉ ብኣፅንኦት ተዛሪቦም፡፡

ብሙክታር ጠሃ

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.