ኣትሌት ሓጎስ ገ/ህይወት ኣብ ውድድር ጉያ ግራንድ ስላም ተዓዊቱ
ኣዲስ ኣበባ፣ 29 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣትሌት ሓጎስ ገብረህይወት ንፈለማ እዋን እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ ውድድር ትራክ ግራንድ ስላም ብ3 ሺሕ ሜትሮ ነዊሕ ርሕቐት ደቂ ተባዕትዮ ተዓዊቱ።
ኣብ ኪንግስተን ኣብ ዝተኻየደ ልዑል ንሕንሕ ዝተርኣየሉ ውድድር÷ ኣትሌት ሓጎስ ነቲ ርሕቐት ንምዝዛም 7 ደቒቕ 51ሰከንድን 55 ማይክሮ ሰከንድን ወዲኡሉ።
ሓጎስ ገብረህይወት ኣብ ፈላማይ ናይ 5 ሺሕ ሜትሮ ነዊሕ ርሕቐት ውድድር 4ይ ደረጃ ብመሓዝ ምዝዛሙ ስዒቡ ዝረኸቦ ነጥቢ 17 ብምብፃሕ ብሓፈሻዊ ውፅኢት 2ይ ደረጃ ብመሓዝ ዛዚሙ።
ነዚ ስዒቡ ድማ 50 ሺሕ ዶላር ተሸላሚ ክኸውን ክኢሉ።
ኣብ ነዊሕ ርሕቐት ውድድር ኣሜሪካዊ ፊሸር ብ18 ሓፈሻዊ እንትዕወት ሎሚ ሎሚ መዓለቲ 2ይ ዝወፅአ ኣትሌት ጥላሁን ሃይሌ ብድምር ውፅት 4ይ ደረጃ ብመሓዝ ዛዚሙ።