ኣኼባ ሚኒስትራት ኢኒሼቲቭ ቀርኒ ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ፣ 22 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣኼባ ሚኒስትራት ኢኒሼቲቭ ቀርኒ ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ።
እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ መበል 18 ኣኼባ ሚኒስትራት ኢኒሼቲቭ ቀርኒ ኣፍሪካ÷ ኣቦ መንበር እቲ ኢኒሼቲቭን ሚኒስትር ገንዘብ ኣህመድ ሽዴን ተረኺቦም።
ኮሚሽነር ዓለም ለኸ ምትሕብባር ሕብረት ኣውሮፓ ጁታ ኡርፒላይነን፣ ዋና ፀሓፊ በዓል መዚ በይነ መንግስታት ልምዓት ምብራቕ ኣፍሪካ (ኢጋድ)ወርቅነህ ገበየሁ (ዶ/ር)፣ ሚኒስትራት ኣባል ሃገራ እቲ ኢኒሼቲቭን ተወከልቲ መሓዙት ልምዓትን ተረኺቦም።
ኢኒሼቲቭ ቀርኒ ኣፍሪካ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ኣብ መዛዘሚ 2019 ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ሚኒስትራት ፋይናንስ ዝተጣየሸ ከምዝኾነ ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡
ብሓገዝ ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ፣ ባንኪ ዓለምን ሕብረት ኣውሮፓን ዝተጣየሸ እቲ ኢኒሼቲቭ÷ ዞባዊ ምትሕብባር ምጥንኻር ከምኡ እውን ኣብ ስራሕቲ ልምዓት ብፍላይ ኣብ መሰረተ ልምዓት፣ ንግዲ፣ ዓውዲታት ህንፀት ዓቕሚ ዝሐሹ ውፅኢታት ምምፃእ ቀንዲ ዛዕባ ትኹረት ተገይሩ ዝሰርሕ ኢዩ።
እቲ ኢኒሼቲቭ ኢትዮጵያን፣ ኬንያን፣ ሶማሊያን፣ ጂቡቲን፣ ኤርትራን፣ ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ብኣባልነት ዝሓቖፈ እንትኸውን÷ ካብ ለካቲት 2015 ዓ.ም ጀሚሩ ኢትዮጵያ ብኣቦ መንበርነት እናመርሐት ትርከብ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com