ኣኼባ ኢኖቬሽን አፍሪካ 2025 ብትምህርቲ፣ አይሲቲን ክእለትን ኣብ ኢትዮጵያ ክካየድ እዩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣኼባ ኢኖቬሽን አፍሪካ 2025 ብትምህርቲ፣ አይሲቲን ክእለትን ሚኒስትራት ሃገራት ኣፍሪካ ዝሳተፍሉ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ እዩ፡፡
እቲ ኣኼባ ካብ 20 ክሳብ 22 ሚያዝያ 2017 ዓ.ም ከምዝካየድ ኣብ ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ዝተረኸበ ሓበሬታ የመልክት።
እዚ ኣህጉራዊ ኣኼባ፤ ብሚኒስቴር ትምህርቲ፣ ሚኒስቴር ኢኖቬሽንና ቴክኖሎጂን ከምኡ እውን ሚኒስቴር ስራሕን ክእለትን ብሓባር ከምዘዳለውዎ ተገሊፁ፡፡