ኣኼባ ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ፓርቲ ብልፅግና ተዛዚሙ
ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ንኽልተ ተኸታተልቲ መዓልቲታት እናተኻየደ ዝፀንሐ ኣኼባ ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ፓርቲ ብልፅግና ዝተፈላለዩ ውሳነታት ብምሕላፍ ተዛዚሙ።
ኣብዝፈላለዩ ሃገራዊ ጉዳያትን ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ፓርቲን እናዘተየ ዝቐነየ ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ፓርቲ ብልፅግና ሎሚ ኣማሲዩ ኣኼባኡ ዛዚሙ፡፡
እቲ ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ካብ ዘተኡ ብምብጋስ ዝተፈላለዩ ውሳነታት ከምዘመሓላለፈን ኣንፈታት ከምዘቐመጠን ካብቲ ፓርቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡