Fana: At a Speed of Life!

ኣኼባ ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ፓርቲ ብልፅግና ተዛዚሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ንክልተ መዓልቲ ክካየድ ዝፀንሐ ኣኼባ ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ፓርቲ ብልፅግና ተዛዚሙ፡፡

እቲ ኣኼባ ምዝዛሙ ስዒቡ እቲ ፓርቲ ዘውፅኦ መግለፂ ከምዝስዕብ ቀሪቡ፦

ካብ ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ፓርቲ ብልፅግና ዝተውሃበ መግለፂ

ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ፓርቲ ብልፅግና ካብ 17 ክሳብ 18 ሚያዝያ 2017 ዓ.ም ስሩዕ ኣኼባ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣካይዱ፡፡ ኣብዚ ኣኼባ ኣብ ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያዊ፣ ማሕበራዊን ዲፕሎማሲያዊን ጉዳያት ኢትዮጵያ ብዝርዝር ርእዩ፡፡

ኢትዮጵያ ኣብ 2018 ካብ ተስፋ ናብ ግሁድ ብርሃን ንምስጋር÷ ኣብ 2023 ናይ ኣፍሪካ ኣብነት ብልፅግና ንምዃን፤ ኣብ 2040 ድማ ዓለም ለኸ መርኣያ ብልፅግና ንምዃን ዘቐመጠቶ መትከል ከምዝዕወት ዘረጋግዑ ኣንፈታት ምርኣዮም ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ እቲ ፓርቲ ኣረጋጊፁ፡፡ድሕሪ ካልኣይ ስሩዕ ጉባኤ ፖርቲ ብልፅግና ብዙሓት ፖለቲካዊን ዲፕሎማሲያዊን ዓወታት ተመዝጊቦም፡፡

ምስ ዝተፈላለዩ ፓርቲታት ፖለቲካ በቢ ብርኩ ዝግበር ዘተን ምትሕብባርን ብታሪኽ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ናብ ሓዱሽ ምዕራፍ ኣትዩ እዩ፡፡

ኣብታ ሃገር ፀገም ፀጥታ ዝነበሮም ሓድሓደ ከባቢታት ሰላም ይዓስል ኣሎ፡፡ መንግስቲ ብተደጋጋሚ ዘቕቦ ፃውዒት ሰላም ስዒቡ ኢዶም ዝህቡን ናብ ሰላም ዘተ ዝመፅኡን ዕጡቓት ካብ ዕለት ናብ ዕለት ቑፅሮም ይውስኽ ኣሎ፡፡ መንግስቲ ሕጊ ናይ ምኽባር ዓቕሙ እናሓየለ መፂኡ፡፡ ምስ ሶማሊያ ተፈጢሩ ዝነበረ ዘይምርድዳእ ብዲፕሎማሲያዊ መገዲ ተፈቲሑ፡፡

ኢትዮጱያ በሪ ባሕሪ ክህልዋ ዝተትሓዘ ትልሚ ዓለም ለኸ ተቐባሊነት እናወሰኸ እዩ፡፡ ኢትዮጵያ ምስ ዓለም ለኸ ትካላት ፋይናንስ ዘለዋ ርኽብ ካብ ምምሕያሹ ንላዕሊ ዝግበረላ ደገፍ እናዕበየ እዩ፡፡ ብመድረኽ ዓለም ለኸ ኢትዮጵያ ተደላይነታ ወሲኹ እዩ፡፡ ርክብ ዲፕሎማሲኣ እውን ኣብ ኩሎም ኣንፈታት ክብ ኢሉ፡፡

ክሳብ ሕዚ ዘሎ ኣፈፃፅማ ዘርእዩ ኣብ ዝሓዝናዮ ዓመት ሓፈሻዊ ኢኮኖሚ ብዝተተለመ መሰረት ብ8.4 ሚኢታዊ ዘዕብይ ምዃኑ እቲ ፈፃሚ ስራሕ ገምጊሙ፡፡ኣብ ዓውዲ ሕርሻ 6.1 ሚኢታዊ፣ ኢንዱስትሪ 12.8 ሚኢታዊ ፣ማኑፋክቸሪንግ 12.0 ሚኢታዊ ፣ኮንስትራክሽን 12.3 ሚኢታዊ፣ ግልጋሎት ድማ 7.1 ሚኢታዊ ዝዓብዩ ምዃኖም ገምጊሙ፡፡ ኣብ ዝሓለፉ 9 ኣዋርሕ ሓፈሻዊ እቶት መንግስቲ ምስ ዝሓለፈ ኣመት እንትነፃፀር 134 ሚኢታዊ ብልፂት ኣርእዩ፡፡

ዝኸበርኹም ኣመራርሓ ብልፅግና፣ ኣባላት ብልፅግናን መላእ ህዝብን፣

ምምሕያሽ ማክሮ ኢኮኖሚ ኣብ ትሑት ናብራ ዝነብሩ ወገናት ፅዕንቶ ከየሕድር ኣድላዩ ዝኾኑ ዝተተለሙ ደገፍ መርሃ ግብሪታት ምክያዶም ፈፃሚ ስራሕ እቲ ኮሚቴ መርሚሩ፡፡ ንመዳበርያ 62 ቢልየን ብር፣ ንሴፍቲኔት 41.2 ቢልየን ብር፣ ንመድኃኒት 3.5 ቢልየን ብር፣ ንመድኃኒት 3.5 ቢልየን ብር፣ ከምኡውን ንደመወዝ 38.4 ቢልዮን ብር ድጎማ ተገይሩ፡፡

ኣብ ዝሓለፉ 9 ኣዋርሕ ጥራሕ 344,790 ናይ ወፃኢ ሃገር ሕጋዊ ዕድላት ስራሕን ልዕሊ 3 ሚሊየን ናይ ውሽጢ ሃገር ዕድል ስራሕ ተፈጢሮም፡፡ ናይ ርሕቀት ዕድል ስራሕ ቑፅሪ እናወሰኸ ምምፅሩ ተራእዩ፡፡

መንግስቲ ኣብ ትካላት ልምዓትን ሓዱሽ ኣተሓሳስባን ሓዱሽ መገዲን ንምውዳድን ንምምራሕ ምኽኣሉ እናመዝገቦም ዘሎ ውፅኢታት መርኣያ ከምዝኸውን እቲ ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ገምጊሙ፡፡

ኢንቨስትመንት ሆልዲንግስ ኢትዮጵያ ሕዚ ዘለዎ ሓፈሻዊ እቶት 1.5 ትሪልየን ምብፅሑ ተራእዩ፡፡ ምስ ዝሓለፈ ዓመት እንትነፃፀር ናይ ሎሚ ዘበን እቶት 86 ሚኢታዊ ወሰኽ ምርኣዩ ኣረጋጊፁ፡፡

ብሓፈሻ፣ ብሰላማዊን ብዝሰልጠነ መገዲን ኣፈላላይ ብምፍታሕ፣ ዝጀመርናዮ ሪፎርምታት ንምዕዋት፣ ዝገጠሙና ፈተናታትን ብፅንዓት ንምሕላፍ፣ ተጓንፎታት ብምቕላስ ምስዓር፣ ብልፅግና ኢትዮጵያ ጋህዲ ንክንገብር፣ ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ፓርቲ ብልፅግና፣ ንኣባላት ኣመራርሓ ፓርቲ ብልፅግናን ፣ ተናሓናሕቲ ፓርቲታት ፖለቲካን ንመላእ ህዝቢ ኢትዮጵያን ፃውዒት የቕርብ፡፡

ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ፓርቲ ብልፅግና

18 ሚያዝያ 2017፤ አዲስ አበባ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.