Fana: At a Speed of Life!

ኣዋጅ ጥዕናን ድሕንነትን እንስሳት ፀዲቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘካየዶ መበል 27 ስሩዕ ኣኼባ ኣዋጅ ጥዕናን ድሕንነትን እንስሳት ብምምርማር ኣፅዲቑ፡፡

እቲ ኣዋጅ ናብ ሃገር ዝኣትዉን ካብ ሃገር ዝወፅኡን እንስሳትን ፍርያታት እንስሳትን ሕጊን ኣሰራርሓን ትካል ጥዕና ዓለም ዝተኸተሉ ንኽኾኑ ዘኽእል ኢዩ ተባሂሉ።

ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅን ንፈጠራ ዕድል ስራሕን ምቹው ኩነታታት ከምዝፈጥር እውን ተሓቢሩ፡፡

እቲ ኣዋጅ ሃገር ካብቲ ዓውዲ ክትረኽቦ ዝግባእ ኢኮኖሚያዊ ረብሓ ንኽተደንፍዕ ከምዝሕግዝ ተገሊፁ፡፡

ብፍቅርተ ከበደ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.