ኣየር ወለድ ንሉኣላዊነት ሃገር መስዋእቲ ዝኸፈሉ ሰብ ውዕለታ ሃገር ኢዮም – ሌ/ጄ ሹማ ኣብደታ
ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሰራዊት ኣየር ወለድ ንሉኣላዊነት ሃገርን ንኽበሪ ህዝቢን ልዑል መስዋእቲ ዝኸፈሉ ሰብ ውዕለታ ሃገር ኢዮም ክብሉ ኣዛዚ እዚ ኮማንዶን ኣየር ወለድን ሌተናል ጄነራል ሹማ ኣብደታ ገሊፆም፡፡
ሌተናል ጄኔራል ሹማ ኣብደታ ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣየር ወለድ ቢሾፍቱ ስልጠና ኣጀሚሮም።
እቶም ዋና ኣዛዚ ኣብቲ እዋን ከምዝገለፁዎ÷ ኣየር ወለድ ማለት ተወዳዳሪ ብዘይብሉ ጅግንነት ንዝለዓ ወፍሪን ዓወትን ምድላው ማለት ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ሰልጠንቲ ብመንፅር እዚ ምስንዳእ ከምዝግበኦም ኣገንዚቦም፡፡
ኣብ ታሪኽ ሰራዊት ኢትዮጵያ ሰራዊት ኣየር ወለድ ንሉኣላዊነት ሃገርን ንኽብሪ ህዝቢን ልዑል መስዋእቲ ዝኸፈሉ ሰብ ውዕለታ ሃገር ኢዮም ክብሉ ምግላፆም ካብ ማሕበራዊ ሚዲያ ሰራዊት ምክልኻል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡