Fana: At a Speed of Life!

ኣይሻ መሓመድ (ኢ/ር) ኣብ ህንዲ ኤሮ ኢንዲያ 2025 ይሳተፋ ኣለዋ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስትር ምክልኻል ሃገር ኣይሻ መሓመድ (ኢ/ር)ህንዲ ኣብ ዘሰናደአቶ  ኤግዚብሽን ኤሮ ኢንዲያ 2025 ይሳተፋ ኣለዋ።

ጣቢያ ሓይሊ ኣየር ባንጋሎር ዘሰናደኦ እቲ ኤግዚብሽን፥ ህንዲ ዝበፅሓቶ ዝማዕበለ ወተሃደራዊን ስቪል ኣቪዬሽን ቴክኖሎጂን ዘርኣየትሉ ኢዩ ተባሂሉ።

“ቢሊየን ዕድላት ንምፍጣር ዝግበር ጉዕዞ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ይካየድ ኣብ ዘሎ ኤሮ ኢንዲያ 2025፥ ህንዲ በቢከልተ ዓመቱ እተካይዶ ምርኢት ነፈርቲን ወተሃደራዊ ኤግዚብሽን ኣቪዬሽንን ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ፥ ካብ መልላእ ዓለም ዝመፅኡ ሚኒስትራት ምክልኻል ሃገር፣ ወተሃደራዊ ኣዘዝቲን ኣካላት ወተሃደራዊ ኢንዱስትሪን ብስፍሓት ተሳቲፎም።

ሎሚ ድማ ኮንፈረነስ ሚኒስትራት ምክልኻል ተኻይዱ።

ሚኒስትር ምክልኻል ፌዴሪኢ ኣይሻ መሓመድ(ኢ/ር) ኣብቲ ኮንፈረንስ ኣብ ዝገበርኡ መደረ፥ እቲ ኤግዚብሽን ዓለም ለኻዊ ድሕንነት ንምጥንኻር፣ ዘበናዊ ቴክኖሎጂ ንምጥቃምን ትርጉም ዘለዎ ምትሕብባር ንምፍጣርን ልዑል ዋጋ ከምዘለዎ ተዛሪበን።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.