ኣይተ ኣህመድ ሺዴ ምስ ምክትል ማኔጂንግ ዳይሬክተር ኣይ ኤም ኤፍ ተዛቲዩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ብሚኒስትር ገንዘብ ኣይተ ኣህመድ ሺዴ ዝተመርሐ ላዕለዋይ ጉጅለ ልኡኽ ኢትዮጵያ ምስ ምክትል ማኔጂንግ ዳይሬክተር ዓለም ለኸ ትካል ገንዘብ (ኣይ ኤም ኤፍ) ናይጄል ክላርክ ተዛቲዩ።
ኣብ ኣፈፃፅማ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ብምጥማት ዝተዛተዩ እንትኹኑ ኣብ መጀመርታ ወርሒ ሚያዝያ 2025 ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ሳልሳይ ልኡኽቶ ፕሮግራም ገምጋም ኣይ ኤም ኤፍ ተመልኪቱ።
ኣይተ ኣህመድ ሽዴ እቲ መመሓየሺ ኣጀንዳ ለውጢ ኢትዮጵያ ንቕድሚት ንምስጓም ኢኮኖሚ ብምኽፋትን ብምዝማንን፣ ሓደሽቲ ዕድላት ዕቤት ብፍጣር ኩለመዳይ ኢኮኖሚ ዓቕሚ እታ ሃገር ንምስፋሕን ዕድል ስራሕ ንምፍጣርን ልዑል ግደ ከምዝነበረ ገሊፆም።
ናይጄል ክላርክ ብግደኦም ኣብ ጥንኩር መርሃ ግብሪ መመሓየሺ ብብርኪ ዓለም ፈተንቲ ኩነታት የሃልዉ እምበር ቁልፊ ኣብ ዝኾኑ ሸቶታት ማክሮ ኢኮኖሚ ኣብ ምዕዋት ዘሎ ዕቤት፣ ኣታዊ ኣብ ምትእኽኻብን ኩነታት ንግዲ ምምሕያሽን ከምኡ እውን ካልኦት ስራሕቲ ንኢዶም፡፡
ዕቤትን ዘላቒ ልምዓትን ኢትዮጵያ ብቕልጡፍ ንኽዓቢ ዝሕግዝ ትልሚ ሪፎርም ተግባራዊ ንምግባር ናይ ቀረባ ምትሕብባር ቀፃልነት ዘለዎ ድጋፍን ንምግባር ትካሎም ቆራፅ ከምዝኾነ ኣረጋጊፆም፡፡