ኣይተ ኣሕመድ ሺዴ ምስ ላዕለዎት ኣመረርሓ መሰረተ ልምዓትን ኢንቨስትመንት ባንክን ኤስያ ተዛቲዮም
ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሺዴ ኣብ ቻይና ምስ ዝገብሩዎ ዑደት ጎድና ጎድኒ ምስ ላዕለዎት ኣመረርሓ መሰረተ ልምዓትን ኢንቨስትመንት ባንክን ኤስያ ተዛቲዮም፡፡
ኣብቲ እዋን ዘተ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ምቹው ሃዋህው ኢንቨስትመንት ከምዘሎ እቶም ሚኒስትር ኣብሪሆም፡፡
ብወገን መንግስቲ እናተሰርሑ ዝርከቡ ፕሮጀክታት መሰረተ ልምዓታትን ሓዊሱ ኣብ ዓውዲ ኢኮኖሚ ተሳትፎ ዘፈር ውልቀ ንምዕባይ እናተሰርሐ ዝርከብ ስራሕ ገሊፆም፡፡
ፕሬዚዳንት መሰረተ ልምዓትን ኢንቨስትመንት ባንክን ኤሲያ ራጃት ሚስራ ብግደኦም÷ ኣአብ ቀረባ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝነበሮም ዑደት እናተሰርሑ ዝርከቡ እታወታት መሰረተ ልምዓት ከምዝተደነቑ ኣልዒሎም፡፡
እቶም ፕሬዚዳንት ኣብ ቀፃሊ ኣማራፂታት ኢንቨስትመንት እታ ሃገር ንምርኣይ ከምዝመፅኡን ምትሕብባሮም ንምጥንኻር ብትኹረት ከምዝሰርሑን ኣረጋጊፆም፡፡
ብኣይተ ኣሕመድ ሽዴ ዝተመርሐ ልኡኽ ኢትዮጵያ ኣብ ቻይና ዝገብሮ ዑደት ስራሕ እናቐፀለ ከምዝኾነ ሓበሬታ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብታ ሃገር የመላኽት፡፡