ኣይተ ኣደም ፋራህ ምስ ኣምባሳደር ርዋንዳ ተዛቲዮም
ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ብመዓርግ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሓላፊ ማእኸል መተሓባበሪ ህንፀት ስርዓት ዴሞክራሲን ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግናን ኣደም ፋራህ ምስ ኣምባሳደር ርዋንዳ ኣብ ኢትዮጵያ ቻርለስ ካራምባ ተዛቲዮም።
ኣብ ዘተኦም ድማ ኣብ ጉዳይ ርክብ መንግስታዊን ፓርቲ ምስ ፓርቲን ክልቲአን ሃገራት ትኹረት ከምዝገበሩ ተሓቢሩ፡፡
ኢትዮጵያ ኣብ ልምዓት ኮሪደር፣ ሓምለዋይ ኣሰር፣ ህንፀት ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ከምኡ እውን ብምግቢ ርእስኻ ንምኽኣል ዝጀመረቶም ስራሕቲ ዝበረታትዑ ከምዝኾኑ ኣብቲ እዋን ዘተ ተላዒሉ።
ፓርቲ ብልፅግና ኣብ 1ይ ስሩዕ ጉባኤኡ ንምትግባር ዝኣተዎ ቃል ብግቡእ እናተተግበሩ ከምዝኾን ኣይተ ኣደም ኣብሪሆም፡፡
በዚ ድማ በቢዓውዱ ዓወታት እናተመዝገቡ ከምዝኾኑ ብምሕባር÷ ካልኣይ ስሩዕ ጉባኤ እቲ ፓርቲ ዝተረኸቡ ዓወታት ክቕፅሉ ዝገብሩ ውሳነታት ትፅቢት ከምዝግበሩ ኣብሪሆም።
እቶም ኣምባሳደር ብግደኦም ኣብ ካልኣይ ጉባኤ እቲ ፓርቲ ንኽንሳተፍ ስለዝተዓድምና ነመስግን ኢሎም።
ኣብቲ ጉባኤ ዝሳተፍ ልኡኽ ካብ መሪሕ ፓርቲ ርዋንዳ ኣር ፒ ኤፍ ናብ ኢትዮጵያ ከምዝመፅእ እውን ገሊፆም፡፡