ኣይተ ኣደም ፋራህ ምስ ኣባል ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ፓርቲ ዩናይትድ ራሺያ ዘቲዮም
ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ብመዓርግ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሓላፊ ምትሕብባር ማእኸል ህንፀት ስርዓት ዴሞክራሲ ኣይተ ኣደም ፋራህ ምስ ኣባል ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ፓርቲ ዩናይትድ ራሺያን ምክትል ሓላፊ ጉዳያት ወፃኢ ሴንተርን ሴኔትን ፌዴሬሽን ሩሲያን ኣንድሬይ ክሊሞቭ ዘቲዮም።
ኣብቲ ዘተ፥ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዘጠናኽሩ ዛዕባታትን ርክብ ፓርቲ ምስ ፓርቲን ተላዚቦም።
ኣይተ ኣደም ፋራህ፥ ብኣመራርሓ ፓርቲ ብልፅግና ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ግብርና፣ ኢንፎርሜሽን ኮሙኒኬሽን ቴክኖሎጂ፣ ኢንዱስትሪን ዝተፈላለዩ ዓውዲታትን ኣብ ስሉጥ ምዕባለ ከምእትርከብ ሓቢሮም።
ኣብ ሓምለዋይ ኣሰር ኢትዮጵያ ክሌማዊ ለውጢ ንምፅዋር ኣብ ኣህጉርን ብብርኪ ዓለምን ኣብ እትገብሮም ፃዕሪታት ርኡይ ግደ ተበርክት ከምዘላ ተዛሪቦም።
ነዚ ድማ ኣብ ዝሓለፉ ዓማውቲ ህዝቢ ብምትሕብባርን ብምስታፍን ዝተተኸሉ ብቢሊዮናት ዝቑፀሩ ፈልስታት መርኣያ ከምዝኾኑ ኣብሪሆም።
ኢትዮጵያ ኣባል ብሪከስ ምዃና ኩለ መዳይ ዲፕሎማሲ ኣብ ምጥንኻር ግደኣ ብዝበለፀ ንክትዋፃእ ዕድል ዝህብ ከምዝኾነ ገሊፆም።
ኣንድሬይ ክሊሞቭ ብግደኦም፥ ኣብ መበል ካልኣይ ስሩዕ ጉባኤ ፓርቲ ብልፅግና ንምስታፍ እንግዶት ቀሪቡሎም ምምፅኦም አመስጊኖም።
ከልቲአን ሃገራት ዘበናት ዝተሳገረ ርክብ ከምዘለወን ሓቢሮም።
ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዓውዲ ንግዲ፣ ኢንቨስትመንትን ዲፕሎማሲን ዘለወን ርክብ ብዝበለፀ ምጥንኻር ኣብ ዘኽእሉ ዛዕባታት ዝተዛተዩ እንትኾኑ፥ ኣብ ዓውዲ ህንፀት ዓቕሚ ብሓባር ንምስራሕ ምስምዕመዖም ተሓቢሩ።