Fana: At a Speed of Life!

ኣይተ ኣደም ፋራህ ኣብ መርሃ ግብሪ ኣፍልጦን ምስጋናን “ሄር ኢሴ” ንምስታፍ ድሬዳዋ ኣቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ብመዓርግ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሓላፊ ማእኸል ምትሕብባር ህንፀት ስርዓት ዴሞክራሲን ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቱ ብልፅግናን ኣይተ ኣደም ፋራህ ኣብ መርሃ ግብሪ ኣፍልጦን ምስጋናን “ሄር ኢሴ” ንምስታፍ ድሬዳዋ ኣቲዮም።

“ሄር ኢሴ” ኣብ ዩኔስኮ ምምዝጋቡ ስዒቡ ኣብ ዓለም ለኸ ስታዲየም ድሬዳዋ መርሃ ግብሪ ኣፍልጦን ምስጋናን ይሳለጥ ኣሎ።

ብኣይተ ኣደም ፋራህ ዝምራሕ ልኡኽ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ድሬዳዋ እንትበፅሕ ከንቲባ ምምሕዳር ድሬዳዋ ከድር ጁሃር፣ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሶማሌ ኣይተ ሙስጠፌ ሙሁመድን ካልኦት ኣመራርሓ እታ ከተማን ኣቀባብላ ገይረሙሎም።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.