Fana: At a Speed of Life!

ኣይ ኤም ኤፍ ኲናት ሩሲያ-ዩክሬን መዓዝ ክዛዘም ከምዝኽእል ተንቢሁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ዓለም ለኸ ትካል ገንዘብ (ኣይ ኤም ኤፍ) ኲናት ሩሲያ-ዩክሬን መዓዝ ከምዝዛዘምን ዕርቀ ሰነያ ከምዝወርድን ተንቢሁ።

ብመሰረት እቲ ዝሃቦ ትንበያ፥ ከልቲአን ሃገራት ኣብ 2025 ዓ.ም.ፈ መወዳእታን 2026 መፋርቕን ሰላም ክፈጥራ ኢየን ኢሉ።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ኢኮኖሚ ዩክሬን “ዝተረጋገዐ” ከምዝኾነ ብምግላፅ፦ ነታ ሃገር ንምድጋፍ 1 ነጥቢ 1 ቢሊየን ዶላር ደገፍ ገንዘብ ምፅዳቑ ገሊፁ።

ይኹን እንበር ኢኮኖሚ ዩክሬን ትፅቢት ካብ ዝግበረሉ ንላዕሊ ፀገም ሓይሊ ንምፅዋር ዓቕሚ እንተሃለዎ እውን፥  ኣብ ቀፃሊ ዓመት ብዘለዎ ጥንካረ ክቕፅል ከምዘይኽአል ሓቢሩ።

ነዚ እውን በቢእዋኑ ፀገም እናጋጠሞ ዝመፅአ ኩነታት ስራሕ፣ ኣብ መሰረተ ልምዓታት ዩክሬን ዝግበሩ መጥቃዕቲታት ሩሲያ ሓዊሱ ካልኦት ጉዳያት ብምኽኒያትነት ምግላፁ ኣርቲ ፀብፂቡ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.