Fana: At a Speed of Life!

ኣዳማ ከተማን ሲዳማ ቡናን ማዕረ ተፈላሊየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝተጀመረ መበል 19 ሰሙን መርሃ ግብሪ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ኣዳማ ከተማን ሲዳማ ቡናን ባዶ ማዕረ ተፈላሊየን።

ክልቲአን ጋንታታት ሎሚ ድሕሪ ቀትሪ ሰዓት 9፡00 ኣብ ስታዲየም ዩኒቨርሲቲ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ኣዳማ ኣብ ዝገበረኦ ፀወታ 0 ን 0 ብዝኾነ ውፅኢት ተፈላሊየን።

ብኻሊእ መዳይ ኣብ መወዳእታ ደረጃ ዝርከባ ጋንታታት ስሑል ሽረን ወልዋሎ ዓዲግራት ዩኒቨርሲቲን ሰዓት 12:00 ክራኸባ ኢየን።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.