ኣገልግሎት ሓደ ማእኸል መሶብ ኣብ ኣወሃህባ ኣገልግሎት ዝለዓሉ ቅርታታት ዝፈትሕ ኢዩ – ኣፈ ጉባኤ ታገሰ ጫፎ
ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣገልግሎት ሓደ ማእኸል መሶብ ኣብ ኣወሃህባ ኣገልግሎት ትካላት ብህዝቢ ዝለዓሉ ቅርታታት ዝፈትሕ ከምዝኾነ ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ታገሰ ጫፎ ገሊፆም።
ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ እቲ ቤት ምኽሪ ኣገልግሎት ሓደ ማእኸል መሶብ ብምርካብ ምንቅስቓስ ስራሕ እቲ ማእኸል ተዓዚቦም።
ኣብቲ ዑደት ሓላፊት ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ካቢኔን ንሓለፍቲ ስራሕ እቲ ባይቶ ኣለምፀሃይ ጳውሎስን ካልኦት ላዕለዎት ኣመራርሓን ብዛዕባ ኣወሃህባ ኣገልግሎት እቲ ማእኸል ገለፃ ተገይሩሎም።
ኣፈ ጉባኤ ታገሰ ጫፎ ኣብቲ እዋን÷ ካብ ህዝቢ ካብ ሞንጎ ዝለዓሉ ቅርታታትን ሕቶታትን ኣብ ትካላት ዝወሃቡ ኣገልግሎታትን ፀገናት ሰናይ ምምሕዳርን ቀንዲ ከምዝኾኑ ገሊፆም።
ብመንግስቲ ዝወሃቡ ኣገልግሎታት ቅልጡፋት፣ ውፅኢታዊ፣ ወፃኢ ዝቑጥብ፣ ቅርታ ህዝቢ ዝምልስን ድኻም ዝንክዩ ክኾኑ ከምዘለዎም ኣተሓሳሲቦም።
እቲ ማእኸል ፀገማት ኣወሃህባ ኣገልግሎትን ሰናይ ምምሕዳርን ኣብ ሓፂር እዋን ዝፈትሕ ከምዝኾነ ምግላፆም ካብቲ ባይቶ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡